ጥቕሚ ንባብ - Why we need to read.

ጥቕሚ ንባብ

ብዛዕባ ጥቕሚ ንባብ ቅድሚ ምዝራብና ዋና ኣምር ናይ ንባብ እንታይ ማለት ምዃኑ ምግላጹ ኣገዳሲ ይኸውን። ንባብ ክንብል እንከለና በእምሮና ተገንዚብና ንሓደ ምልክት ወይ ስሩዕ ምልክታት ዝውክሎ ወይ ኣስፊሪዎ ዘሎ መልእኽቲ በዒንትና ወይ'ውን ብዳህሳስ ኢድ (ንዓይነ ስውራን) ጌርና ብዝተሓላለኸ ናይ ኣእምሮ መስርሕ ነቲ ሓዚልዎ ወይ ዘመልክቶን ዘመሓላልፎን ዘሎ መልእኽቲ ምርዳእ ማለት ይኸውን። ምንባብ ሓደ ሜላ ካብቲ ቋንቋን ሓበሬታን መተሓላለፍን ሓሳባት ሰባት መስነቕን እዩ። ኣንባቢ ኣብ ዘንብበሉ ጊዜ ንሱ ምስቲ ዝተጻሕፈ ነገር ፊት ንፊት ተጋጢሙ በቲ ሒዝዎ ዝመጸ ቋንቋ፡ ተመክሮ፡ ርኢቶ፡ ባህሊ ሕብረተሰብን ልማዳትን ተጠቒሙ ከም ብመስኮት ብርሃን መረዳእታ ናይቲ ጽሑፍ ክወስድ እንከሎ ማለት እዩ። ስለዚ ምንባብ ክንብል እንኮለና ሱቕ ኢሉ ጎፍ ብጎፍ ዝመጽእ ወይ ምሳና ዝውለድ ዘይኮነስ ብቐጻሊ ልምምድን ተመክሮን ንድልቦን ነጻፍፎን ክእለትን ዓቕምን እዩ።

መጽሓፍ መኽዘን ኩሉ ፍልጠት እዩ።
ኣንባባይ ኣብ ዘንብበሉ ጊዜ ነቲ ጽሑፍ ክርድኦ ዝጥቀመሎም ነገራት ወይ ሜላታት ከም ኣተኣራንባ ቓላት፡ ሰዋሰዋዊ ዕዮ፥ ኣመታት ካብ ጎዶቦ ቃላት (context clues)፡ስርዓተ-ነጥቢታት ወዘተ ተጠቒሙ ንቑጽ ወይ ደረቕ ጽሑፍ ወይ ሕንጣጣት ጥራይ ዝመስል ዝነበረ ሂወት ለቢሱ ብዝተሓላለኸ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮኡ ድምጺን ዘረባን ከምዝህልዎ ይገብሮ። ይኹን እምበር ምንባብ ማለት ግድን ቋንቋ ወይ ዘረባ ናይ ሰብ ጥራይ ምንባብ ዘይኮነ ቋንቋ ወይ ዘረባ ዘይኮኑ ከም ኣብነት ናይ ሙዚቃ ኖታን፡ ስእላውያንን፡ እውን ምንባብ ክኸውን ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።

እዚ'ኹሉ ኣብ ቦትኡ ሃልዩ ግን ንዓና ዘገድሰና ምንባብ ብስነጽሑፋዊ ወይ ስነጥበባዊ መልክዕ ዝተነድቀን ዝተወቀበን ናብ ውሕሉል ስራሓትን ፍርያትን ዘቕኔዔ ምንባብ ኣብ ዝኾነሉ እዩ። እነንብቦም ስነጽሑፋት ልቦለዳውያን (fictional) -ልቦለዳውያን ወይ ሓበሬታ-ሓዘል (non-fictional) ክኸውን ይኽእል። ብዘይካ'ዚ እቲ ጽሑፍ ወይ ድርሰት ብስዲ-ንባብን ግጥሚን ዝተጻሕፈ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ሓፈሻዊን መባእታውን ሓሳብ ብዛዕባ ንባብ ብኸምዚ ካብ ተረዳእና ኩሉ ሓደ ብሓደ እንዳዘርዘርኩ ኣብ ዚስዕብ እቲ ትሽዓተ ካብ ምንባብ እንረኽቦ ረብሓታትን ጥቕምታትን ክገልጾ ክፍትን እየ።

1. ላት ምስፋሕ - መዓልቲ መዓልቲ ናይ ሓደ ሰዓት ንባብ ምክያድ ኣብ ኣእምሮኻ መኽዘን ቃላትካ የሀብትሞ። ቃላት ምውህላል ድማ ንፉዕ ጻሓፋይን ኪኢላ ተዛራባይን የውጻኣልካ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ቃላት ምብዛሕ እውን ኢድ ንኢድ ፍልጠትካ ስለዝሰፍሕ ብርእሰ ምትእምማን ምስ ሞያውያን ክትዛረብን ጽቡቕ ግንዛቤ ኣብ ነብስኻ ከተሕድርን ይሕግዘካ። በዚ ምኽንያት'ዚ ኣብ ስራሕካ እውን ደራኺ ዕማም ስለዘለዎ ይሰልጠካን ግስጋሴ ትረክብን። 'ከመይ ኢሉ?' እንተተባህለ ምኽንያቱ ብሳላ ንባብ ውህሉል ፍልጠት ናይ ሳይንሳዊ ምዕባሌታትን ኣህጉራዊ ፍጻመታትን ካልእ ዘመናዊ ሓሳባትን ኣምራትን ስለእትድልብ ዝነቓሕካ ትኸውን። ምስዚ ዝዛመድ ብዛዕባ ስራሕካ ዝምልከት ኣምራትን ቃላትን (buzz words) በብጊዜኡ ብንባብን ካልእን ስለ'እትኣርዮን እተሐድሶን ኩሉ ብሓባር ከም ናውቲኻ ትጥቀመሉ ኣብ ስራሕ ክትቊጸር ኣብ እትሕተተሉን እትፍተነሉን ጊዜ ኣዝዩ ይጠቕመካ።

ኣብ ርእሲ'ዚ ኣብ እተንብበሉ ጊዜ ኣብቲ እተንብቦ ስርሓት ድርሰት ዝተፈላለዩ ቅዲን ስልትን ኣጸሓሕፋ ስለእትርኢ ትማሃርን ትፈልጥን። ጻሓፋይ ኣብ እትኾነሉ ጊዜ ዝተማሃርካዮ ስልቲ ኣጸሓሕፋ ምስቲ ናትካ ውልቃዊ ስልቲን ቅዲን ሓዊስካ ብጽቡቕ ዝተኸሸነን ዝተኻወሰን ጣዕሚ ዘለዎ ጽሑፍ ክተቕርብ ትኽእል።

ምስዚ ዝተሓሓዝ ነቶም ኣምሮም ዘይትፈልጦም ቃላት በቲ ኣብ ጎዶቦኦም ዘሎ ቃላውቲ (context) ተመርኲስካ ብሓንጎልካ ገሚትካ ትርጉሞም ናይ ምፍላጥ ዓቕሚን ባህሪን ተጥሪ። ሓንጎልና ከም ሰፍነግ (sponge) ሓበሬታን ሓሳብን ንውሽጢ ስለዘልሑኽ ነዚ ፋልማይ ዘይፈለጥናዮ ቃል ብተደጋጋሚ መጽሓፍ ኣብ እነንብበሉ ጊዜ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ስለእንረኽቦ ኣብ ርእስና ንሓዋሩ ይስኳዕ። እትሰንቆ ዝተዋህለለ ፍልጠትን ትምህርቲን ድማ ናይ ሓዋሩ ሃብታም ይገብረካ። ከመይሲ ሓደ ሰብ እንተ ብፍልጠቱ ሃብታም ኮይኑ ካብቲ ብገንዘብ ብወርቂ ብሉልን ብኣልማዝን ዝሃብተመ ሰብ ዝያዳ ዝበለጸ ይኸውን ምኽንያቱ ፍልጠቱ ኩሉ ጊዜ ስለዘይበርስን ምስኡ ስለዘሎን። በዓል ገንዘብ ግን ገንዘቡ ሎሚ ክህሉ ይኽእል ጽባሕ ንግሆ ድማ መን ይፈልጥ ከይህሉ ይኽእል ምስ ኩነታት።


ኣብ መጨረሻ፡ ብተማሳሳሊ መጽሓፍ ምንባብ ንኻልእ ቋንቋ እውን ክትምሃር እቲ ኣዝዩ ሓጋዚ መገዲ'ዩ። ምኽንያቱ ቃላውቲ ናይ ሓደ ቋንቋ ብዝያዳ ክትርድኦምን ኣብ ሓንጎልካ ክትሕዞምን እንተ'ዳኣ ዄንካ ምስ ካልእ ጎዶቦ ቃላውቲ ተሓዊሶምን ተጸንቢሮምን ትርጉም ኣብ ዝህብሉ ስለዝኾነ እዩ። ብዘይካ'ዚ ኣብቲ መጽሓፍ እቲ ቓላት ምስቲ ትሕዝቶ ዛንታን ኩነትን ናይቲ መጽሓፍ ስለዝተኣሳሰር ኣብ ርእሴኻ ይስኳዕን ብቐሊሉ ትዝክሮን።

2. ፈጠውነት የዕቢ – መጽሓፍ ምንባብ ጽሑፋትን ፊደላትን ኣላቒብካን ኣወሃዲድካን እቲ ዝሓዘሎ ትርጉም ጥራይ ምርዳእ ዘይኮነስ እቲ ዝትረኽ ዘሎ ፍጻመ ኣብ ሓንጎልካ ከም ስእሊ ምቕራጽን ኣብ ውሽጢ እዚ ፍጻመ'ዚ እውን ኣቲኻ ምስቶም ጠባያት (characters) ቦታታት ጊዚያትን መድረኻትን ምጒዓዝን ናይ ዓይኒ ተዓዛቢ ምዃንን እዩ። እዚ ኣብ ሓንጎልካ ከም ፊልም እትቐርጾ ስእላዊ ትርኢት በቲ ጽሑፍ መሰረት ሓንጎልካ ዝፈጠሮን ዝወሰኖን እዩ። ስለዚ እና ከተንብብ ብሓንጎልካ – ዳርጋ ኩሉ 5 ህዋሳት፦ ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምሽታት፡ ምድህሳስን ምቕማስን ዘጠቓለለ ምርኢት – ኣብ ዓይነ ኣእምሮኻ ይቕጀለካ። በዚ መሰረት ፈጠራ ክእለትካን ግምትን ብዛዕባ'ቲ ትረኻ ናይ መጽሓፍ ይውህለል። ደራሲ ኣብ እትኾነሉ ጊዜ እውን እዚ ደራኺ ሓይሊ ኣብቲ ናይ ፈጠራ ስራሕካ ይኸውን። እትጽሕፎ ዛንታ ብዓይነ ሕሊናኻ ኣቐዲምካ ምስ'ትጎዓዞ እተጠናነጉ መሽጎርጎር ታሪኽ (plot) ኣብ ምፍጣርን ምፍላቕን እዚ ኣብ ሓንጎልካ እትገብሮ ቅድመ-ሓሳብን ምስልሳልን ወሳኒ ዕማም ይጻወት።

ምንባብ ንዓበይቲ ጥራይ ዘይኮነ ንህጻውንቲ'ውን ዝያዳ ጥቕሚ ኣለዎ። ሓካይም ህጻናት (pediatricians) ከም ዝብልዎ ሓደ ህጻን ኣብ መዓልቲ ን30 ደቓይቕ ዘንብብ እንተኾይኑ እሞ ከንብብ እንከሎ'ውን ዓው ኢሉ እንተኣንቢቡ ነቲ ዘንብቦ ዘሎ ጽሑፍ ብትኽክል ከድምጾ ይሕግዞን ኣብ ርእሲኡ ድማ ነቲ ኣእምሮ ናይቲ ህጻን ኣነቓቒሑ ነቲ ናይ ሓንጎሉ ዋህዮታታት ክራባሕን ከም'ብሓድሽ እንደገና ብተደጋጋሚ ክቋረንን ስለዝገብሮ ሓንጎሉ ሰፊሑ ክእለታቱ የማዕብል። ብእዋኑ ድማ እቲ ኩሉ ዝድለ ጸጋታት ንምጥቃስ ከም፦ ፍቕሪ ንባብ፡ ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ብርኩት ቃላት፡ ክእለት ምዝራብ፡ ምኩር ኣንባብነትን ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ኣቕልቦን ኣድህቦን ዝኣመሰሉን የፍሪ። እዚ ኹሉ ድማ ኣብ ትምህርቲን ማሕበራዊ ናብራን ኣገደስቲ ረቓሒታት ስለዝኾኑ ንፉዕ ተማሃራይን ዕዉት ሰብን እውን ይኸውን።

ምንባብ ካብ ህጻንነትካ ክጅምር ይግባእ


ምንባብ መጻሓፍቲ እንተሰፊሑ'ውን ነቲ ዝድለ ምንጪታት ከም ኣብነት መጽሄታት፡ ጋዜጣታት፡ ደብዳቤታት፡ ኢደ-ረቂቕ ጽሑፋት (manuscripts)፡ ኢንሳይክሎፒድያታት (encyclopedias)፡ ናይ ካርታ መጻሕፍቲ (maps/atlases)፡ ሰነዳትን ኢንተርነትን ገማጢልካ ሓበሬታ ምእካብን ብምቕጻል ድማ ነዚ ከተደንፍዕ'ውን ሞያውያንን ፈላጣትን ብምሕታት፡ ኣብቲ መርትዖታት (evidences) ዘለዎ ታሪኻዊ ቦታ ብምኻድ፡ ኣብ ቤተ-መዘክር (museum) ብምኻድ፡ ቤተ-መጻሕፍቲ ብምኻድ፡ ማእከል ስነዳን ምርምርን ብምኻድ፡ ናይ ተለቪዝዮ/ሬድዮ መደባት ምንጪ ብምውካስ፡ ዝተቐረጹ ድምጽታት (ዘረባታትን ዕላላትን) ምንጪ ብምውካስ፡ ዝተቐርጹ ቪድዮታት ምንጪ ብምውካስ፡ ዝኾኑ ስእሊታትን ምንጪ ስእልታትን ብምጥቃም፡ ዝኾነ ኤልክትሮኒካዊ ዝርዝር ምንጪታትን (electronic databases) ቢብልዮግራፊን (bibliography) ብምውካስ፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ጆርናላትን ብምውካስ፡ ባህልን ልምድን ዚፈልጡ ሽማግለ ዓዲ ብቓል ብምሕታትን (oral sources) ብምቕራጽን ኩሉ'ዚ ጌርካ ውህሉል ሓበሬታ ስለእትረክብ ምርምራዊ ጽሑፍ ንምጽሓፍ የኽእለካ። ብተወሳኺ ንነብስኻ ምምሃር፡ ኣንቢብካ ዝተጻሕፈ ምርዳእን፡ ንዘልኣለም ባዕልኻ ንባዕልኻ ምምሃርን ኣብ ነብስኻ ርእሰ ምርኮሳን እውን ከም ልማድ የማዕብለልካ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ድማ ንነብስኻ፥ ንስድራኻን ብዓብዩ ድማ ንሃገርካ ኣፍራዪን ኣድማዕን ዜጋ ከም ትኸውን ይገብረካ።

3. ናይ ምጽሓፍ ክእለት የማዕብልከምቲ ዝተጠቕሰ ብዝሒ ቃላት ምስ ፈጠራውነት ምስ ዝቋረንን ዝወሃህድን ድማ ንፉዕ ጸሓፋይ የጻልካ። ፈጠራ ክእለት ሃልዩካ ሓያል ናይ ቃላት ገላጺ ክእለት እንተዘይሃልዩ ልክዕ ከም ጸሃያይ ዝበዝሖ ግራት ስለእትኸውን ጽባቐ ፍርያትካ ኣይረአን። ግሩም ሓሳባት ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ እውን ብኸንቱ ይድወን። ቃላት፡ ኣሰራርዓ ሰዋሰው፡ ስርዓተ-ነጥቢ፡ ስልቲን ቅዲን ድማ ዝውህለሉ ከምቲ እተገልጸ መጻሕፍቲ ኣንቢብካን ምኲር ኣንባባይ ምስ ክንካን ጥራይ እዩ። ኣብ ዝኾነ ስነ-ጥበብ ከምቲ ምኲራት ዜማውያን ንልኦት ሓደስቲ ደረፍቲ ተላሃይትን ጽልዋ ዘድሩሎም፡ ከምቲ ዓበይቲ ቐባእቲን ሰኣልትን እውን ንኻልኦት ናይ ቅብኣን ስእልን ሰባት ብልሓቶምን ተክኒክን ድርት ዝኾንዎም ደራሳይ እውን ብተማሳሳሊ ናይ ካልኦ ጥበብ ኣጸሓሕፋ ኣሰዃኽዓ ቃላት፡ ኣገላልጻ ሙሉእ-ሓሳባት፡ ኣተኣራንባ ሕጡበ-ጽሑፋት ወዘተ ስለዝጽሎን ነዚ ኣዋሃሂዱ ምስ ናቱ ዝሰማማዕ ወወሲዱ ክደርስ ይኽእል።

4. ናይ ምዝካር ክእለትካ የደንፍ – ንባብ ብፍላይ ካብ ንኡስ ዕድመ ዝጀመረ ምንባብ ነቲ ናይ ኣብ መዘከሪ ክፍሊ ሓንጎል ዘሎ ጭዋዳታት ስለዝመጦን ዝዝርግሖን ማለት እቲ ህጻን ሓድሽ ዘይፈልጦ ሓበሬታ ምስዝረክብ ሓድሽ መትኒ-መተሓላለፊ ሓንጎል (synapses and brain pathways) ስለዝፈጥርን ዘራብሕን ነቲ ዘሎ ድማ ስለዘጠንክሮን ናይ ምዝካር ዓቅሚ ናይቲ ዘንብብ ሰብ የደንፍዖ። ስለምንታይ ምስዝባሃል ምኽንያቱ ከተንብብ እንከለኻ ብዙሕ ፍጽሚታት፡ ኣሃዛት፡ ቴማ፡ ጥንግናግ ትሪኽ (plot)፡ ተፈላለዩ ጠባያት፡ ቦታት፡ ፍጻመታት፡ ዕለታት፡ ሰዓታት፡ ሓሳባት፡ ዝምድናታት፡ ወዘተ ስለ ብሓንጎልካ እትምገቦምን እትሰንቆን ኣብ ሓንጎልካ ኣትዮም እውን ብምብዳህ ንሓሳብካ ከም ዝነጥፍን ዝሰርሕን ስለዝገብሩዎ ሓንጎልካ ሰፊሑ ክእለት ምዝካርካ ሓፍ ይብል።

5. ብትንታነ ምሕሳብ የደንፍዕ – እቶም ብዙሕ ዘንብቡ ኣብ ትምህርቲ ልዑል ነጥቢ፡ በሊሕ ኣእምሮ፡ ዝተደለበ ፍልጠት ካብቶም ዘየንብቡ ንላዕሊ ከምዘለዎም ኩሉ ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ። ምንባብ ፍልጠትና ይድልን ሓንጎልና ከምዝሓስብ ይገብሮን ሓሲብና እውን ከም እንትንትንን ብሉ ሸነኻቱ ከም'እንመምን ይገብረና። ምንባብ ኣድህብጽሞና ኣብ ሓደ ነገርን ናይ ምዝካር ክእለትን ስለዝሓትት እሞ ሓንጎልና በዚ ስለዝለማመድ ናይ ትምህርቲ ዓውደ-ፍልጠታት (subjects) እውን ከይተጸገምና ብዓቕልን ጽሞናን ኣቕልቦን ክንርደኦም የኽእለና። ናይ ካሊፎርኒያ በርክሊ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ዶ/ኣን ኒን(Dr. Anne E. Cunningham of the University of California Berkeley) ከምእትብሎ ከነምብብ እንኮለና ስለእንትንትንን ዝደጋገሙ ኣብነታትን ኩነትን (patterns) ቀልጢፍና ስለእነስተብህል ወይ ሓንጎልና ብቕልጣፈ ናይ ምልላይ ባህርይ ስለዝለምድ ኣብ ትምህርትና ኣብ ምርዳእ ኣምራት ሓበሬታን ሓጋዚ ተራ ይጻወት። ኣብነታትን ኣምራትን ቀልጢፍካ ምስትባሃሎምን ምቑላቦምን ናይ ሓንጎልና ብቕልጣፈ ናይ ምትንታኑ ክእለቱ የዕብዮ።

እዚ ኩሉ ዝመጽእ ግን ሓደ ወይ ክልተ መጻሕፍቲ ጥራሕ ኣንቢብካ ዘይኮነስ ብርክት ዝበለ መጻሓፍቲ ብምንባብ እዩ። ፈላጣታት ከም'ዝብልዎ ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ወይ ዛዕባ ክትፈልጥ ሓደ መጽሓፍ ዘይኮነ 100 መጽሓፍ ከተንብብ' ለካ እቲ'ምንታይ 100 መጻሕፍቲ ምንባብ ማለት 100 ደረስቲ ዘለዎም ዝተፈላለየ መረዳእታን ሓበሬታን ቀሲምካ ዝበሰለን ዝዓሞቕን ፍልጠት ምድላብ ማለት ስለዝኾነካልእ ምስዚ ዚመሳሰል ዋላ ናይ ወንጀል ልብ-ወለድ (mystery novels) ኣብ እነንብበሉ ጊዜ እዚ ካብ ብዙሕ ምንባብ ዘጥረናዮ ናይ ትንተና ክእለትና ተጠምና መን'ዩ ቀታሊ፡ ሰራቒ ወዘተ (whodunnit) ኣብቲ እነንብቦ ልቦለድ ገና ከይወዳእናያ እንኮለና ትንተናን ግምትን ወሲድና ክንፈልጦ ንኽእል።


6. ሓንጎል ምንቕቓሕን ምብርባርን – ምንባብ ሓንጎልካ ከምዝነጥፍን ዝነቕቃሕን ስለዝገብሮ (mental stimulation) ናይ ኣእምሮ ጸገም ሕማማት ከም ምርሳዕን ኣእምሮ ምስሓትን (alzheimer and dementia) ዝኣመሰሉ ከወግዶም እንተዘይኮይኑ ድማ ከጒድሎምን ከደንጒዮምን ከምዝኽእል ብምጽናዕቲ ዝተደገፈ ሓበሬታ የረጋግጽእዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሓንጎልካ ብንባብ እንተነጢ ኣብ ስራሕ ከምዝውዕል ስለእትገብሮ ጭዋዳታት ርእስኻ ወይ ውሽጣዊ ሓንጎል ተሪሮም (ጂምናስቲክስ ስለዝኾኖም) ኣእምሮኻ ካብ ምስናፍን ምድካምን ይገላገልነዚ ንምግባር ቸስ(chess) ዝኾነ ግድላት(puzzles) ምጽዋትን ምንባብን ኣእምሮኻን ሓንጎልካን የበራብሮን ጥዕና ከምዝህልዎ እውን ይገብሮን።

7. ጭንቀትን ውጥረትን (Stress) የጉድሎ – ጹቡቕ ልለድ ምንባብ ብሓንጎልካ ምስቲ ዛንታ ከምትጓዓዝ ስለዝገብረካ ዝነበረካ ጭንቀት የረሳዓካን ካብቲ ዚርብሸካን ዚህውኸካን ወጥሪታት ህድኣት ይፈጥረልካን። ሓንጎልካ ቅራር ስኢኑ ቁሩብ ኣብ እትርበሸሉ ጊዜ መጽሓፍ ምስ'እተንብብ ናብ ካልእ ዓለም ስለእትገይሽ ጊዜያዊ መስተርሆት ትረክብ። ምናልባት እውን መጽሓፍ ምንባብ ደው ምስ'ኣበልካ ነቲ ጉዳይ ብኻልእ ዓይኒን ርግእ ብዝበለ መንፈስን ክትሪኦ ትጅምር። ሕርቃን ጓሂን ምስ ስድራኻ፡ ብጾትካ ወይ ኣብ ስራሕካ እንተኾይኑ ኔሩ ምናልባት ኣብቲ እተንብቦ መጽሓፍ ምስ ናትካ ዝመሳሰል ሽግር ጋጥሞም ጠባያት (characters) ክትራኸብ ስለእትኽእል ብኸመይ ይፈትሕዎ ትሪኢ ወይ እውን ክብደት ዘይብሉ ሽግር ምዃኑ እውን ክትሪኦ ትኽእል። ንገዛእ ርእሲኡ ተጨኒቕካ እንኮለኻ ክንዲ ኣብ ዝተዋዓወዔ ኩነትን ህላዌን ትቕጽል ተነጺልካ ምንባብ እውን ናቱ ፈውሲ (therapy) ክፈጥረልካ ይኽእል።

ምስዚ ዝተኣሳሰር'ውን እቲ ኣተንብቦ መጻሕፍቲ ናይ ሃይማኖታውን መንፈሳውያንን መጻሕፍቲ እንተኾይኑ እምሮኻ ሰላምን ህድኣትን ጥራይ ዘይኮነ ዜዕስለሉ ገለ መጽናዕቲ ከም ዚእምቶ እንተኾይኑ ጸቕጢ ደም'ውን ይንክየልካ እዩምስ'ዚ ዚመሳሰል ዋላ ናይ "ነብስኻ ከመይ ትኣሊ" ዝብሉ መጻሕፍቲ (self-help books) ተንብብ እንተዄንካ (Stephen R. Covey, Deepak Chopra, Dale Carnegie, etc) ካብ ናይ ብጊዚኡ ምዂርፍራፍ ጠባይን (mood swings) ቅልል ዝበሉ ናይ ኣእምሮ ሕማማትን እውን ከናግፈካን ክፍውሰን ከም'ዝኽእል መጽናዕቲ ዝተደገፈ ሓበሬታ ይገልጽ

8. ምድንጋጽ - ምንባብ ምስ ካልኦ ሰባትን ባህልን ልማድን ወዘተ ስለዘጋልጸካ ዚያዳ ካብ ቀደም ምስኦም ናይ ምስናይን ምድንጋጽ (empathy) መንፈስካ ይዓብን ድንፍዕን። መጽናዕቲ ናይ ባፋሎ ዩኒቨርሲቲ (University of Buffalo) ከም ዝሕብሮ ካልእ ካባኻ ብውልቂ ይኹን ብናይ ሓባር ባህሊ ዝፍለ ሰብ ወይ ጉጅለ ምስ እትርኢ ብዝያዳ መረዳእታ ድንጋጸ ፉት ዓይኒን ልብን ኣስፊሕካ ትሪኦምን ቀልጢፍካ ፍርዲ ካብ ምሃብ ትቚጠብ'። ቁሸታዊ (insular) ኣተሓሳስባኻ ተሰቢሩ ኣግፊሕካ ብኣህጉራዊ ደረጃ ናይ ምርኣይን ካልእ ተኽእሎ ባህልታትን ልማዳትን እውን ከምዘሎ ዓይንኻ ከም እተንቊሕ ይገብረካ። ኣብ ርእሲ'ዚ እውን ብተመሳሳሊ ደረጃ ብስለትን እሩም ጠባይን (cultured) ስለዝህልወካ ተሳታፊ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ሂውት እቲ ሕብረተሰብካልእ ተመሳሰልቲ ንጥፈታት ኣብ ማሕበረ-ኮምን ንኡስ ማሕበረ-ኮምን ከምእትሳተፍ ይገብረካ።

9. መዘናግዒ – ኣብ መጨረሻ፡ መጽሓፍ ምንባብ እቲ ዝበለጸ መዘናግዒን ጊዜ መሐለፍን ብልሓት እዩ። ገንዘብ ከይከፈልካ ቤት-ንባብ መጻሕፍቲ ኬድካ ዝደለኻዮ ኣርእስቲ ክትረክብ ትኽእልን ትዘናጋዕን። ንኣብነት ኣብ መዕርፎ-ነፈርቲ እንዳተጸበኻ፡ መገሻ ባቡር፡ነፋሪት ወዘተ እንዳገሽካ ብመጽሓፍ ክትዘናጋዕ ትኽእል። እንተደሊኻ እውን ብኢንተርነት ኣብ ኮምፕዩተርካ ኴንካ መርበብ ኣቲኻ ከተንብብ ትኽእል። ዘመን ዘምጽኦም አለክትሮኒካዊ መንበብቲ መጽሓፍ (ebook readers – ipad, kindle, etc) እንተለካ ድማ ነገር ረጎደ ምኽንያቱ ብዙሕ መጻሓፍቲ ክሕዙ ስለዝኽእሉን ምግዕዓዞም ስለዝቐልልን።

ስለዚ በዚ ኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ምኽንያት ኣሕዋት ምንባብ ነዘውትር። ምናልባት 8 ሰዓታት ምንባብ ሰብ ከጸግሞ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር ኣብ መዓልቲ ሓደ ሰዓት ከንብብ ኣይክእልን እየ ዝብል ሰብ ስንኮፍ ምኽንያት (lame excuse) ጥራይ እዩ ዝህብ ዘሎ እብል ኣነ። ንባብ ምንባብ ንነብስኻ፡ ንስድራኻ፡ ንሕብረተሰብካን ሃገርካን ውህሉል ረብሓን መኽሰብን (investment) እዩ። ልምዲን ባህልን ናይ ንባብ ከም ውጽኢት ምሁራትን ንቚሓትን ዜጋታት የፍሪን ብዝቐልጠፈ ድማ ናብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ናይ ቴክኖሎጂን ቅልጡፍ ግስጋሰን ዘመን ንምእታው መገዲ የጣጥሕን በሪ ይኸፍትን። ስለዚ መልእኽተይ ንምዝዛም "ነንብብ መታን ክንዕንብብ"።



መወከሲ ምንጪ

Aim of this Blog

Hi! Welcome to my page. In this blog I discuss and touch upon anything that is related to the Eritrean literature as a whole. Anything is open for discussion in as much as it impacts the development and direction of the fledgling Eritrean art. This will necessarily include new books, writers, criticism, poetry, plays, dramas, playwrights, interesting characters, plots, themes, ideas, languages, history, societal values, old traditions, gender roles, oral traditions, rural life, and whatnot. I also will discuss and review or may, in certain cases, just make mention of the nascent Eritrean movies which are defining the Eritrean cultural landscape as we speak.